book
Kinder- en Jeugdboeken | Fictie -6 jaar

ኣንቲ ፍልይቲ ጋል

Atakilti Semere

0,00 €

Leveringsinformatie onbeschikbaar

Omschrijving

ሰላም ንዓኺ! እወ ልክዕ ንስኺ!
ኣዚኺ ፍልይቲ ነገር ምዃንኪ ዝነገረኪ ሰብ ኣሎ ዶ፧ ምኽንያቱ - እመንኒ - ንስኺ ኢኺ! ፍልይትን ፍጽምትን። ኣብዛ ዓለም ብዙሓት ኣሽሓት ካልኦት ኣዋልድ እኳ እንተሃለዋ፡ ግን ድማ ሓንቲ እኳ ከማኺ ኣይኮነትን። ስለዚ ንሱ ኣይትረስዒ!

ብድሆ እንተ ኣጋጢምኪ ድማ ሓደ ነገር ዘክሪ፤
ሓያል ምዃን ማለት ፈጺምካ ኣይትወድቕ ማለት ኣይኮነን። እንታይ'ዳ ሓያል ምዃን ማለት እንደገና ምትንሳእ ማለት እዩ።

ስለዚ ተንሲእኪ ቀጽሊ። ኣብ መንገዲ ወትሩ ንኣሽቱ፡ ግን ከኣ ዝዓበዩ መሰናኽላት ክህልዉ እዮም። ወይ ድማ ብኸመይ ክትቅጽልን ዕላማኺ ክትወቅዒ ትኽእሊ ዲኺን ዝብል ጥርጣረታት ኣለኪ። ግን ኣስተውዕሊ: ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት እዩ። ንእሽቶይ ይኹን ዓቡይ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ተስፋ ዘይምቑራጽን ንስኺ ኣዚኺ ፍልይ'ቲ ምዃንኪ ምፍላጥን እዩ። ኩሉክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ!

ኣብዛ መጽሓፍ እንታይ ይጽበየኪ ኣሎ፧
ምስ ፍሉያትን ማዕረ ማዕሪአን ዲንቅ ዝኾና ኣዋልድ ክትራኸቢ ኢኺ። ጸገማት ዘጋጥመን ምናልባት ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝገብራ ዘይፈልጣን ኣዋልድ። ዳርጋ ተስፋ ክቖርጻ ዝደለያ፡ ድሕሪኡ ግን ኩሉ ትብዓተን መንጢለን ንነብሰን ዝበልጻ ኣዋልድ ዝኾና።

በዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቢልኪ እንታይ ክትመሃሪ ኢኺ፧

ንነብስኺ ምቕባልን ንፍርሒ ምብዳህን
ምስ ወለድኽን ካልኦትን ንዘጋጥሙ ጕዳያት ፍታሕ
ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ርእሰ-ምትእምማን ንምምዕባል
ትብዓትን ውሽጣዊ ሓይልን ንምርካብ
ዝኾነ ነገር ክትገብሪ ከም እትኽእሊ ርግጸኛ እየ። ከመይ ጌረ እየ ዝፈልጥ፧ ምኽንያቱ ፍልይቲ ጓል ኢኺ! ሓንሳብ ኣብ ነብስኺ ምስ ኣመንኪ፡ ኣብ መንገድኺ ደው ዝብለኪ ነገር የለን። እታ ንስኺ ፍልይቲ ጓል እትብል መጽሓፍ በዚ ጥራይ ክትሕግዘኪ እያ። ስለዚ ክሳብ ክንደይ ፍልይትን ኣደናቂትን ምዃንኪ ፈጺምኪ ኣይክትርስዕዮን ኢኺ። ኣብ ዝቕጽል ግዜ ንርእስኺ ኣብ እትጠራጠረሉ እዋን ድማ ሓደ ነገር ኣስተውዕሊ፤
ፍልይቲ ኢኺ!

Meer info

Uitgever Mijnbestseller
Release 30/03/2023
Leveringsdatum 30/03/2023
Info leveringsdatum
ISBN 9789403673455
Laatst gewijzigd